@hewi8763n7vxzp: 💙"ሄዋነይ፣ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ኩሉ ፍቕሪ እናበለ ዝቐርበኪ ሰብ ንልብኺ ዝግብኦ ኣይኮነን። ገለ ሰባት ብጥዑም ቃላት ልቢ ክሰርቁ፡ ብተስፋ ክምግቡኺ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ግዜኺን ስምዒትኪን ጥራይ ከባኽኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ንፍቕሪ ብቃላት ጥራይ ኣይትለክዒ፤ ብተግባር፡ ብባህሪን ብሓላፍነትን ገምግሚ። 💙"ሓደ ሰብኣይ ንሓዳር ዝበቅዕ ምዃኑ ብኣፉ ዝኣትዎ ቃል ኣይኮነን ዘርእየኪ፤ ብኣተሓሕዛኡ፡ ብተኣማንነቱ፡ ብኣኽብሮቱን ኣብ ግዜ ፈተና ብዝወስዶ ስጉምትን እዩ። ኣብ ግዜ ሓጎስኪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዜ ሓዘንኪ እውን ጎንኺ ደው ዝብል፤ ክትዛረቢ ከለኺ ዝሰምዓኪ፤ ስምዒትኪ ዘይንዕቕ፤ ክብርኺ ዝሕሉ፤ ኣብ ዘይምርድዳእ ብሓሳብ እምበር ብምጭብጫብን ብምጉዳእን ዘይፈትሕ ሰብ ምረጺ። 💙"ሄዋነይ፣ ንብዓትኪ ከም መዘናግዒ ዝወስድ፡ ሎሚ ከም ዝፈትወኪ ጽባሕ ከም ዘይፈልጠኪ ዝኸውን ሰብ ኣይትምረጺ። ኣብ ህይወትኪ ሰላም እምበር ስእነት ሰላም ዝውስኽ ሰብ ኣይትምረጺ። ፍቕሩ ብቃላት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኣብነት ዘርእየኪ፤ ኣብ ህልውናኺ ዝሕጎስ፤ ኣብ ዕብየትኪ ዝድግፈኪ፤ ምስጢርኪ ዝኽእል፤ ኣብ ዘይህልወኪ እውን እሙን ዝኾነ ሰብ ምረጺ። 💙"ሓዳር ማለት ስም ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ምጽሓፍ ጥራይ ኣይኮነን። ሓደ ሓሳብ፡ ሓደ ተስፋ፡ ሓደ ህይወት ንምህናጽ ብሓባር ምጉዓዝ እዩ። ኣብ ሓዳር ፍቕሪ ጥራይ ኣይኣክልን፤ ምክብባር፡ ትዕግስቲ፡ ምርድዳእ፡ ይቕረታ፡ ተኣማንነትን ሓላፍነትን የድሊ። ምኽንያቱ ኣብ ጽቡቕ መዓልቲ ፍቕሪ ምርኣይ ቀሊል እዩ፤ ኣብ ከቢድ መዓልቲ ግን እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ይፍተን። 💙"እምበኣር ሄዋነይ፣ ብምርጫኺ ኣይትተሃወኺ። ካብ ፍርሒ በይንኺ ክትተርፊ ኢልኪ ኣይትምረጺ፤ ካብ ግዜ ክሓልፈኪ ኢልኪ እውን ኣይትተሃወኺ። ንልብኺ ዝግብኦ ክብሪ ዘለዎ ሰብ ክሳብ ትረኽቢ ትዕገሲ። ምኽንያቱ በይንኺ ምንባር ካብ ምስ ዘይግብኣኪ ሰብ ምንባር ይሓይሽ። 💙"እቲ ንልብኺ ዝግብኦ ሰብ፡ ኣብ ህይወትኪ ክኣቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብኡ ክጸንሕ ዝደሊ ሰብ እዩ። ፍቕሩ ኣይተስተማቕሚ ጥራይ፤ ብኣኽብሮትን ብሓላፍነትን ክሃንጸልኪ ዝደሊ ሰብ ምረጺ። 💙"እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ጓል ሓቀኛ ፍቕሪ፡ ሰላም ዝመልኦ ሓዳርን ክብራ ዝሕሉ መጻምድትን ይሃባ። አሜን! 🙏❤️🌹 ✍️ጸሓፊት HEWAN 👑 እንተፈቲኹማ ሼር ግበርዎ ሰሰናዩ ንኹልና።💙🙏 #creatorsearchinsights #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #tigraytiktok #tigraytiktok🇻🇳🇻🇳tigraytiktok #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹🇪🇹

❤
❤"HEWAN"👸🫶🏻"One day"🇬🇧🤝❤
Open In TikTok:
Region: SA
Wednesday 25 November 2026 13:28:34 GMT
39
9
3
2

Music

Download

Comments

tiktok.comwesani1
ወዲ ተዋህዶ🇱🇾 :
nty mqrti🥰
2026-11-25 13:43:30
0
wedisemhar4
wedi Arsenal 👑 :
🥰🥰🥰🥰🥰
2026-11-25 14:31:32
0
magiman432
magiman432 :
❤️❤️❤️
2026-11-25 13:37:26
0
magiman432
magiman432 :
🥰🥰🥰
2026-11-25 13:37:27
0
To see more videos from user @hewi8763n7vxzp, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About