@kidanzelalem: እታ መርከብ ኣብ ኢድካ እያ፤ መራሒኣ እውን ንስኻ ኢኻ። ከመይ ጌርካ ከም እትመርሓን ናበይ ከም እትወስዳን ምፍላጥ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። እንተተጠቒምካሉ ክጠቕመካ እዩ፤ እንተዘይተጠቒምካሉ ድማ ንስኻ ኢኻ ትጉዳእ እሞ፡ ነዚ ኣይትረስዕ! ብዙሓት ሰባት ኣብ ጕዕዞ ህይወቶም ዝተዓንቀፉ፡ ንትማሊ፡ ንሎሚን ንጽባሕን ብግቡእ ሰሪዖም ስለ ዘይተጠቕሙሎም እዮም። ገሊኦም ኣብቲ ናይ ትማሊ ጌጋን ጣዕሳን ተኣሲሮም ይተርፉ፤ ገሊኦም ድማ ሎሚ ከይሰርሑ ብዛዕባ ጽባሕ ጥራይ እናሓለሙ ግዜኦም የሕልፉ። ትማሊ ዝሓለፈ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዓኻ ግን ዓቢ ቤት ትምህርቲ (ተመኩሮ) እዩ! እቲ ዝወደቕካዮ፡ እቲ ዝተጋገኻዮን እቲ ዝተዓወትካዮን ኵሉ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ስጕምትኻ መምሃሪ ዝኸውን ስንቂ እዩ። ሎሚ እታ ኣብ ኢድካ ዘላ እንኮ መድረኽ ተግባር እያ! ነቲ ካብ ትማሊ ዝቐሰምካዮ ጥበብ ኣብ ግብሪ እተውዕለላን ሓድሽ ነገር እትፍትነላን መዓልቲ ሎሚ እያ። ሎሚ ከይፈተንካን ከይሰራሕካን እትጽበዮ ጽባሕ፡ ባዶ ሕልሚ ጥራይ እዩ ዝኸውን! ስለዚ፡ ነቲ ኣብ እግርኻ ዘሎ ከውሒ ተመኩሮ (ትማሊ) ረጊጽካ፡ ብናይ ሎሚ ጻዕርን ፈተነን ተሰኒኻ፡ ናብታ ብርሃን ጸሓይ ዝወጸላ ጽባሕ ንቕድሚት ሰጕም! ክትገብሮ ዝግበኣካ ግበር፤ ከመይ ከም እትገብሮ ፍለጥ። ውጽኢት ድሕሪ ስራሕ እዩ ዝመጽእ እሞ ቅድም ስራሕ! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ተመኩሮ #ንቕሓት #ኮፒሊንክ
ሰረት
Region: GB
Wednesday 25 November 2026 17:23:39 GMT
Music
Download
Comments
seni💥 :
haki 👍🙏
2026-11-25 18:03:04
2
Amakelu Nguse :
ብትክክል👌👌👌👍
2026-11-25 18:59:41
1
hiwi :
❤️❤️❤️
2026-11-25 17:38:55
1
ሰለሙን ዝናቡ ሽፎን :
ሐቂ
2026-11-25 19:49:06
0
Bana Offchall :
ትክክል
2026-11-25 19:45:39
0
men kem Nebuye :
♥️♥️♥️
2026-11-25 19:18:53
1
Eyerusalem✝️ :
🥰🥰
2026-11-25 18:57:12
1
Genet Gidey :
🥰🥰🥰🥰🥰
2026-11-25 17:37:31
1
Mehari Atsbeha :
🥰🥰🥰
2026-11-25 18:15:09
1
Teddy Kasa :
🥰🥰🥰
2026-11-25 17:28:43
1
user8136996810309 :
🥰🥰🙏
2026-11-25 18:31:42
0
hamusey :
✌️✌️✌️✌️✌️✌️🙏🙏
2026-11-25 19:41:56
0
የጫካ ንጉስ @12 :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-11-25 18:20:41
0
user1501280852208 :
♥️♥️♥️
2026-11-25 18:57:36
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.