@kidanzelalem: ሰብ ንርእሱ እንተንዒቑ ቀጻልነቱ ኣብቂዑ እዩ። ምናልባት ወዲ ሰብ ናይ ደገ ስለዝርኢ፡ ሰባት ብደጌኻ ገሚቶም ዋጋኻ ከንእስዎ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዘይተጸዓቲ ሓይሊ—ንኹሉ ከኣሊ፡ ተሸካሚ፡ ጸዋሪ፡ ንዕረ ንምምዓር ዝጽዕር—ዝፈልጥ ግን ንስኻ ጥራይ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ትፈልጦ ሓቂ ኣይትኽሓድ! ሓደ ካብቲ ኣብዚ ምድሪ እተፈጠርካሉ ዕላማ፡ ኪኖ ምኽኣል፡ ናይ ምኽኣል ዓቕሚ ሒዝካ ምንባር እዩ። ህድእ ኢልካ ረጊእኻ፡ ብምስትውዓል እቲ ትሓልፎ እንተገምጊምካዮ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘጨብጠካ። እቲ ኣብ በይንኻ ትኾኖ፡ እቲ ትጸሮ፡ እቲ ትሓልፎ፡ እቲ ትሽከሞ፡ እቲ ዓቐብ ትድይቦን እቲ እትወርዶ ቁልቁለትን ብገዛእ ቃላትካ ምምስካር ትብዓት እምበር ትዕቢት ኣይኮነን። "ተጌሩልካ እንተኾይኑ ንምንታይ ከምዘይተገብረልካ ትመስል" ይብል እቲ ጽሑፍ። ነቲ ኣባኻን ኣብ ውሽጥኻን ዘሎ ሓይሊ ምምስካር፡ ነቲ ንስኻ ትሓልፎ ምዝራብ፡ ብዛዕባኻ ግጉይ ስእሊ ምሃብ ዘይኮነስ ነቲ ዘለካ ኣለሊኻ ንቕድሚት ክትስጉም ዝገብር ሞራላዊ መግብን ድጋፍን እዩ። ትዕቢት ዝኸውን ብዘይካኻ ካልእ ክገብር ዝኽእል ከምዘየለ ደምዲምካ ምዝራብ እዩ። ዘይኮንካዮ፡ ዘይብልካን በይንኻ ፍሉይ ምዃንካን ከተርኢ ምፍታን ምስ ትዕቢትን ምስሉይነትን ክተሓሓዝ ይኽእል። እቲ ነብስኻ ትሓልፎን ትገብሮን ምምስካር ግን፡ ነቲ ኣባኻ እዚ ዓይነት ሓይሊ ክህሉ ዝገበረ እተመስግነሉ ኣገባብ ብምዃኑ ግህሰት ዘይብሉ ቅኑዕ ስነ-ምግባር እዩ። ምትላል ማለት ዘይናትካ ካብ ምድላይ ወይ ነቲ ዘይናትካ ናትካ ምዃኑ ከተእምን ምፍታን እዩ። ነቲ ዘሎካ ከምዘሎካ ምርኣይ ግን ንገዛእ ርእስኻን ኣብ ዙርያኻን ንዘለዉ ፍናን ሂቡ ንቕድሚት ዘሰጒም ናይ ምትብባዕ ኣገባብ ስለዝኾነ፡ ክሰዓብ ዘለዎ ቅኑዕ ናይ ስነ-ምግባር ኣገባብ እዩ። ከም ሕብረተሰብ ቀልዓለማዊ ባህሪ እዩ ዘሎና። ይትረፍ ንዘይገበርናዮ፡ ንዝገበርናዮ እውን "ወሪዱኒ!" ብምባል ነመስሊ ነቓጽ ባህሪ እዩ ዘሎና። እዚ ጽቡቕ ልማድ ኣይኮነን፤ ስለዚ ነተባብዖ ባህሪ እውን ኣይኮነን። ወዲ ሰብ ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ክሰርሕ፡ ከስርሕ፡ ፈጠራታቱ ከግህድ፡ ኣብ ፈጠራ ካልኦት ድማ ክሳተፍን እጃሙ ከበርክትን እዩ። ስለዚ፡ ንጻዕሪ ድኻምካ ብንጹር ምሕባርን ነቲ ውሽጥኻ ዝሓልፎ ገድሊ ምትራኽን ሓደ ካብቲ መድረኽ ዝጠልቦ ስልጡን ኣገባብ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ሕማቕ ባህሪ ነብስኻ ምኽሓድ እምበር ብዛዕባ ነብስኻ ምዝራብ ኣይኮነን! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ርእሰ_ምትእምማን #ትብዓት #ንቕሓት
ሰረት
Region: GB
Thursday 26 November 2026 15:35:04 GMT
Music
Download
Comments
🎀➻Ⓗ🦋 :
🥺✍️😘
2026-11-26 19:20:10
1
Simret :
2026-11-26 17:44:59
1
ngatey brihaney :
tfle eya
2026-11-26 18:21:56
1
Hadush :
🥰🥰🥰
2026-11-26 18:05:52
1
kd Akter 12 :
🙏🙏🙏🙏
2026-11-26 17:36:06
1
miki(🙏❤ :
🙏🙏🙏
2026-11-26 16:04:14
1
Luli hafti Yoni :
🌹🌹🌹
2026-11-26 16:22:33
1
nebu :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏😍
2026-11-26 16:56:48
0
ስሉ ጓል ፀጋይ :
🥺🙏🙏
2026-11-26 18:33:06
0
Dinu🦋 :
🙏
2026-11-26 19:20:36
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.