@kidanzelalem: ⚖️ ኣብቲ እትደልየሉን እትድለየሉን ጥራይ ኩን... (ብሰረት) ኣብቲ እትደልየሉን እትድለየሉን እምበር ኣብቲ በይንኻ እትደልየሉ ጥራይ ኮፍ ኣይትበል! እቲ ምድልላይ ብማዕረ እንተ ዘይኰይኑ እቲ ውጽኢት ናይ ክልቴኹም ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብዙሕ ግዜ ልቢ ዝጕሂ ኣብቲ ዘይድለየሉ ቦታ ተጸባያይ ጥራይ ብምዃን ግዜኡ ስለ ዝቐትል እዩ። ትጽቢት ከቢድ እዩ—እሞ ድማ እትደልዮ ንዘይትረኽበሉ ትጽቢት! ንሰብ ክትደልዮ ከለኻ ማዕሬኻን ክንዳኻን ድማ ንሱ ዘይደልየካ እንተ ዀይኑ እቲ ውጽኢት ልቢ ምቕጻል ጥራይ እዩ ክኸውን። ቀዲምካ እኳ እንተ ፈተኻ፡ ቀዲምካ እውን እንተ ደለኻ ምላሽ ናይቲ ምፍታውካን ምድላይካን እንተ ዘይረኺብካ ግን እቲ ውጽኢት ጓሂ፡ ሕማም፡ ጭንቀትን ሓሳብን እዩ! ስለዚ ዂሉ ግዜ ኣብቲ ብማዕረ እትደላለየሉ እምበር ኣብቲ ንስኻ ለማኒ እቲ ካልእ ተለማኒ እትዀነሉ ስፍራ ኣይትቐመጥ። ንስኻ ባሕሪ ምሉእ ምእንታኡ እናተሳገርካ ክነስካ ንሱ ግና ንእሽቶ ስንጭሮ እኳ ምእንታኻ ዘይሰግር እንተ ዀይኑ፥ ልክዕ ከም ኣብ ኲናት ምስ ጸላእትኻ ኣብ ሓደ መስመር ምስላፍ እዩ! ምናልባት ደላያይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ምናልባት እውን ዝያዳ ፈታዊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፤ እንተዀነ ብውሕዱ ማዕሬኻ እኳ እንተ ዘይኰነ ፍርቂ ጕዕዞ ናይቲ ንስኻ እትጐዓዞ ዘይጐዓዝ ሰብ ምጽባይ ንሓደ ሰብ ከም ዝሞተ እናፈለጥካ ክመጸካ ከም ምጽባይ እዩ! ንስኻ ፈታዊ እምበር ምሩኽ ኣይኰንካን—ደላያይ እምበር ለማኒ ኣይኰንካን! ስለዚ ክትድለን ክትፍቀርን ዋጋ ክኽፈለካ ይግበኣካ እዩ! እዚ ዝኸውን ግን ግቡእካ ባዕልኻ እንተ ፈሊጥካ እዩ። -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ክብሪ_ነብሲ #ንቕሓት #ኮፒሊንክ
ሰረት
Region: GB
Friday 27 November 2026 19:46:19 GMT
Music
Download
Comments
wedi seyemti :
keep it up bro✌️✌️✌️
2026-11-28 13:32:42
1
👸🏽Diamond 💎 Beti 🇪🇷🦅 :
Exactly 💯❤️
2026-11-28 15:35:49
1
peni :
ናይ ብሓቂ
2026-11-28 13:36:17
1
Fifi 🦋 :
nay behaqi 💯👌
2026-11-27 22:19:49
1
Zebib Abraham :
Right
2026-11-28 17:27:06
1
user8136996810309 :
bhaki 🥰🥰👌
2026-11-27 20:08:16
1
𝑑𝑎𝑑&𝑚𝑜𝑚🌺👑 :
𝑚𝑎𝑛👑
2026-11-28 07:30:01
1
Getish arsenal :
𝚋𝚛𝚊𝚟𝚘
2026-11-28 23:56:48
0
alyas TDF ✌ :
👍👍👍
2026-11-28 04:58:11
1
wintu wintu🍇🍇 dc 143 :
2026-11-28 07:51:00
1
Nebu G💃💃💃 :
👌👌
2026-11-28 19:03:29
1
ሰፔስዳብሊው :
2026-11-28 16:55:40
0
🦅𝗯𝗹𝗮𝗰𝗸 𝗯𝗼𝘆 129 🇪🇷 :
❤️❤️❤️
2026-11-28 20:35:14
1
Abiti :
I love it pls contineu
2026-11-27 21:28:50
1
Filmon gebrehanse :
bztekaeleka meten tkelo gber zterefe naf fetari gdefo
2026-11-28 11:04:41
1
Justice :
❤️❤️❤️
2026-11-28 21:38:27
1
Ermias :
🥰🥰🥰🥰👌👌
2026-11-28 08:51:24
1
Robel Fitsum :
🤟🤟🤟🤟🤟
2026-11-28 17:57:32
1
Ãzű 🍌 :
💗💗💗
2026-11-28 17:27:36
1
Rahel :
❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤❤❤❤❤
2026-11-28 14:06:58
1
Rahel♌️ :
👌👌👌
2026-11-28 14:56:55
1
Bright ትንሳኤ ባንድ :
🥰🥰🥰
2026-11-28 14:01:43
1
Yrga Fsha :
🥰🥰🥰
2026-11-28 06:06:58
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.