@juniorsilvaoficial_: Tem gente que está tendo crise de ansiedade sem perceber. A pessoa acha que é só cansaço. Só estresse. Só uma fase ruim. Mas começa a ficar sem paciência… o sono muda… a mente não desliga… o coração acelera do nada… e até momentos bons começam a perder a graça. O pior da ansiedade é que ela quase nunca chega gritando. Ela chega em silêncio. A pessoa continua trabalhando. Continua sorrindo. Continua postando foto. Mas por dentro já está esgotada emocionalmente faz tempo. E sabe o que mais assusta? Muita gente se acostumou a viver assim. Se você leu até aqui, comenta “eu li”. Quero entender quantas pessoas estão tentando parecer fortes enquanto a mente está cansada. E compartilha isso com alguém. Tem gente sofrendo em silêncio agora. #reels #tiktok #saudemental

Junior Silva
Junior Silva
Open In TikTok:
Region: BR
Thursday 07 May 2026 15:42:39 GMT
200
5
1
0

Music

Download

Comments

monicadossantos545
ModeMonica :
Sim ela chega pra mim aos berros, me acordando de madrugada, meu corpo treme, tenho falta de ar.... no outro dia estou um bagaço.
2026-05-07 19:09:24
0
To see more videos from user @juniorsilvaoficial_, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ሓቢርካ ምንባር ብዙሕ ዋጋ ምኽፋል ዘይኮነ፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ምእማን እዩ ዘድልየካ። ዘድልየካ ትፈልጥ እንተኾይንካ፡ ንሰብ ዘድልዮ እውን ኣይጠፍኣካን እዩ። እቲ ዘድሊ ድማ ክትህብን ክትወሃብን ድሉውን ፍቓደኛን ምዃን እዩ! መፍትሒ ኩሉ ነገር ግን ትረዳድኣሉ ቋንቋ ምህላው እዩ። ሓበራዊ ቋንቋ እንተዘይሃልዩካ፡ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ክትነቓቐፍ ኮነ ክትነኣኣድ ቋንቋኻ እንተዘይተራኺቡ፡ ክህነጽ ዝኽእል ዝምድና የለን። ከምቲ ግቡእ ክንክን ዝሰኣነት ተኽሊ ቀስ-ብቐስ እናቖምሰለት ትሓርር፡ ኣብ መንጎኻ እትረዳድኣሉ ናይ ሓባር መራኸቢ ቋንቋ እንተዘይሃልዩ ድማ በብቊሩብ ናብ ጓንነት ኢኻ ትኸይድ። ብባህሪኡ ወድ ሰብ ረብሓታቱ እዩ ዘቐድም። ገለ ካብቶም ዝረኽቦም ረብሓታት ክጎድሉ እንተጀሚሮም ድማ ዝነበሮ ዝምድና እናደስከለ ይመጽእ። እቲ ዓቢ ጸገም ግን ከምቲ ንሱ ረብሓታቱ ዘቐድም፡ እቲ ካልእ ሰብ እውን ቀዳምነት ከምዘለዎ ንምዝካር ዝድንጒ ምዃኑ እዩ። እዚኣ ኸኣ እያ እታ
ሓቢርካ ምንባር ብዙሕ ዋጋ ምኽፋል ዘይኮነ፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ምእማን እዩ ዘድልየካ። ዘድልየካ ትፈልጥ እንተኾይንካ፡ ንሰብ ዘድልዮ እውን ኣይጠፍኣካን እዩ። እቲ ዘድሊ ድማ ክትህብን ክትወሃብን ድሉውን ፍቓደኛን ምዃን እዩ! መፍትሒ ኩሉ ነገር ግን ትረዳድኣሉ ቋንቋ ምህላው እዩ። ሓበራዊ ቋንቋ እንተዘይሃልዩካ፡ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ክትነቓቐፍ ኮነ ክትነኣኣድ ቋንቋኻ እንተዘይተራኺቡ፡ ክህነጽ ዝኽእል ዝምድና የለን። ከምቲ ግቡእ ክንክን ዝሰኣነት ተኽሊ ቀስ-ብቐስ እናቖምሰለት ትሓርር፡ ኣብ መንጎኻ እትረዳድኣሉ ናይ ሓባር መራኸቢ ቋንቋ እንተዘይሃልዩ ድማ በብቊሩብ ናብ ጓንነት ኢኻ ትኸይድ። ብባህሪኡ ወድ ሰብ ረብሓታቱ እዩ ዘቐድም። ገለ ካብቶም ዝረኽቦም ረብሓታት ክጎድሉ እንተጀሚሮም ድማ ዝነበሮ ዝምድና እናደስከለ ይመጽእ። እቲ ዓቢ ጸገም ግን ከምቲ ንሱ ረብሓታቱ ዘቐድም፡ እቲ ካልእ ሰብ እውን ቀዳምነት ከምዘለዎ ንምዝካር ዝድንጒ ምዃኑ እዩ። እዚኣ ኸኣ እያ እታ "ስስዐ" ትበሃል። ስስዐ ሓንቲ ካብተን ሓቢርካ ንኸይትነብርን ብሓደ ንኸይትጎዓዝን ዝገብራ ግናይ ባህሪ እያ። ክልተ ዓይነት ኣነባብራ ከምዘሎ ቅድሚ ኩሉ ምዝካር የድልየና፦ ሓደ ሰብ ኣብቲ በይኑ ዝነበረሉ፡ ልቡ ብኻልእ ሰብ ኣብ ዘይተሓዘኣሉ ግዜ፡ ብዘይካ ነፍሱ ካልእ ስለዘይብሉ "ፈታዊ ነፍሱ" እንተኾነ ጸገም ኣይኮነን—ምኽንያቱ ነፍሱ ዘየፍቅር ንኻልኦት ግቡእ ፍቕሪ ክህብ ስለዘይኽእል። ምስ ሰባት ክትነብር ከለኻ ግን "ሓበራዊ ኣነባብራ" ከምዘድሊ ምግንዛብ ኣድላይ እዩ። ኣብዚ ሓበራዊ ናብራ ናይ ግለይ ትብሎ ኣሊኻ ናይ ኩልና ዝበሃል መረዳእታ ሒዝካ ክትከይድ እንተዘይኪኢልካ፡ ቋንቋታትካ ክረዳዳእ ኣይክእልን እዩ። "ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም" ከምዝበሃል፡ በበይኑ ዝኾነ ልምዲ ሒዝካ ጸላኢ መጻኢኻ ኢኻ ትኸውን። ስለዚ እዩ ድማ ካብ በይንኣዊ ህይወት ናብ ካልኣውነት ዘለዎ ናብራ ክትሰጋገር ከለኻ፡ ነቶም ውልቃዊ ልምድታትን ኣካይዳን ንጎኒ ገዲፍካ ኣብቲ ናይ ሓባር ድሌትን ረብሓን ምጥማት ዘድሊ። ከምቲ ኣብ ስደት ምስ ኣተኻ ንዓኻን ነቲ ተሰዲድካሉ ዘለኻ ዜጋን ናይ ሓባር መራኸቢን መረዳእድእን ቋንቋ ዘለኩም፡ ምስቲ ካልኣየይ እትብሎ ሰብ እውን ናይ ሓባር ቋንቋ የድልየኩም። እዚ ቋንቋ እዚ እዩ ክትቀራረብ፡ ክትረዳዳእ፡ ክትወሓሓጥ ዝገብረካ፤ እዚ ቋንቋ እዚ እዩ እውን ሓበራዊ እምነት ክህልወካ ኣብ ልብኻ እምንቶ ዝተክል። ኣስተውዕል! ወድ ሰብ ብምኽንያት እዩ ክነብር ዝደሊ—ኣብቲ ዝነብሮ፡ ዝኸዶን ዘጎዓዞን ተስፋ ክገብረሉ፡ ክተኣማመነሉን ክህንጠየሉን ዝኽእል ምኽንያት እንተዘይሃልይዎ፡ ናይ እምነት ዓንዲ ክተክል ምሕሳብ ልክዕ ከም ካብ ብዕራይ ጸባ ክትሓልብ ምጽባይ እዩ። ናይ ምንባርካ ምኽንያት እንተተጸንቒቑ፡ እምነት ሞይቱ ኣሎ፡ ተስፋ ተወዲኡ ኣሎ፡ ድሌት ኣብቂዑ ኣሎ፡ ትዕግስቲ ተጸንቒቑ ኣሎ—ኣብዚ ደረጃ እዚ እንተበጺሕካ ድማ ተጓኒኻ ኣለኻ ማለት እዩ! ስለዚ ኣብ ክንዲ እቲ ዝኸበደ ናይ ምንባር ስልቲ ንመርጽ፡ ነቲ ዝቐለለ መሪጽና እቲ ዝበለጸ ኣነባብራ ክነብር ንፈትን። ባዕላትና ነካብዶ እንተዘይኮይኑ፡ ሓበራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክንህቦ ዝግበኣና ምዃኑ እንተተረዲኡና ህይወት ከቢድ ሕቶ ኣይተሓተናን እያ። ኣብ ስራሕ ይኹን፡ ኣብ ዝምድና፡ ኣብ ፍቕራዊ ህይወት ይኹን ምሕዝነት—ካብታ ብሓባር ክንተኣሳሰረላ ዝጀመርና ግዜ፡ ሓበራዊ ረብሓታትና ቀዳምነት ክወሃቦም ከምዘለዎም እንተኣሚናን ኣተግቢርናን፡ እቲ ንደልዮ ጥዑይ ዝምድና ካብ ምህናጽ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን። ረብሓኡ እናጎደልካሉ፡ እንዳሃሰኻዮ፡ እንዳበደልካዮ፡ እንዳዓመጽካዮን እንዳጎሃኻዮን ምሳኻ ጥዑይ ዝምድና ክህልዎ እንተተጸቢኻ ግን—ንባርነት እናጸዋዕካዮ ዝመጽእ ሰብ ስለዘየለ ጥዑይ ህይወት ኣይትጸበ!

About