@jaylasmith60:

Jaylas dances💋
Jaylas dances💋
Open In TikTok:
Region: CA
Thursday 27 August 2026 00:06:17 GMT
156
20
0
1

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @jaylasmith60, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ኣብ ጉዕዞ ህይወት ምውራድን ምድያብን ኣሎ። ብኸቢድ ፈተናታት እንሓልፈሉን፡ ደጋፊ ሰብ ብምስኣን ቁሊሕ-ምሊሕ እንብለሉ ግዝያት ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን፡ ካብ ጎድንኻ ከይተፈለየ ብዘድልየካ ኩሉ ምሳኻ ዝነበረ፡ ጻውዒትካ ዝተቐበለ ሰብ ግን ናይ ሓቂ መሓዛን ሕያዋይ ሰብን እዩ'ሞ፤ ከምቲ ኣብ ጸገምካ ኣብ ጎድንኻ ዝነበረ፡ ኣብ ራህዋኻ እውን ፈጺምካ ኣይትረስዓዮ። ብዛዕባ ሰብ ብዙሕ ሰሚዕናን ተበሂሉን እዩ—
ኣብ ጉዕዞ ህይወት ምውራድን ምድያብን ኣሎ። ብኸቢድ ፈተናታት እንሓልፈሉን፡ ደጋፊ ሰብ ብምስኣን ቁሊሕ-ምሊሕ እንብለሉ ግዝያት ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን፡ ካብ ጎድንኻ ከይተፈለየ ብዘድልየካ ኩሉ ምሳኻ ዝነበረ፡ ጻውዒትካ ዝተቐበለ ሰብ ግን ናይ ሓቂ መሓዛን ሕያዋይ ሰብን እዩ'ሞ፤ ከምቲ ኣብ ጸገምካ ኣብ ጎድንኻ ዝነበረ፡ ኣብ ራህዋኻ እውን ፈጺምካ ኣይትረስዓዮ። ብዛዕባ ሰብ ብዙሕ ሰሚዕናን ተበሂሉን እዩ—"ሰብ ርጉም ሓጺር እዝኑ"፡ "እንሰሳ ካብ ሰብ ይሓይሽ"፡ ወይ "ሰብ ምእማን ገዲፈዮ እየ"። እዚ ኩሉ ነቲ ብሰባት ዝገጠመና ዘይጥዑም ነገር፡ ኣብቲ ሰብ ዝደለናሉ እዋን ሰብ ዝኾነና ምስ ሰኣና፡ ወይ ሰባት ንጸገምና ጸገም ክውስኹሉ ምስ ኣስተውዕልና ዝበልናዮ ብምዃኑ ኣየጣዕስን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ልክዕ ከምቶም ሕሱማት፡ ሕልና ዘለዎምን ሕያዎት ሰብኣውያንን እውን ኣዝዮም ብዙሓት እዮም'ሞ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ "ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ" ከይገበርና፡ ነቶም ሰብ ውዕለትና ዝግባእ ክብሪ ንሃቦም። "ኣማኒኻ ኣይትጥለም፡ ከይጠልመካ ፈጣሪኻ" ከም ዝብሃል፡ ነቶም ዝተኣመኑና ክንእመኖም፡ ነቶም ሰብ ዝኾኑልና ሰብ ክንኮነሎም፡ ነቶም "ኣለናልካ" ዝበሉ "ኣለኹልኩም" ክንብሎምን፡ ነቶም ጉዳይና ግዲ ዝብሎም ሰባት ድማ ግቡእ ኣፍልጦ ክንህቦምን ይግባእ። ከምቲ ምህላዉ እሾኽ ዝኾነካ ሰብ ዘሎ፡ ምህላዉ ምልኣት ዝኾነልካ ሰብ እውን ኣሎ። ብቐንዱ ጽቡቕ ምምራጽ ንዓና ውሽጣዊ ሰላም ስለ ዝህበና ኩሉ ግዜ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምምራጽ ተመራጺ እዩ፤ እንተዘይተኻኢሉ ግን ነቶም ንስሌና ዝደኸሙን ሰብ ዝኾኑልናን ውዕለት ምምላስ ሰብኣዊ ግዴታና እዩ። ኣብቲ ዝጸልመተኩም መብራህቲ ዝኾነልኩም፡ ኣብቲ ሰብ ዝደለኹምሉ እዋን ሰብ ዝኾነልኩም እንተልዮም፡ ኣብ ታሕቲ መንሽ ን (Mention) ብምግባር ኣመስግንዎም!

About