@shambelarefaine: ኣብ ሃገርና ቡዙሓት ዓይነት ኣዕዋፍ ምስ ብሂል ሕብረተሰብና ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለወን ኣለዋ፡፡ንአብነት ቅርቅረ ወይ ሃርሃረት ኣብ ንግሆ ጸሓይ ብልጭ ጌና ካብ ገበላኻ ንግዳም እናወጻእካ ጩቕ እናበለት እያ ናዓናይ ምሳይ እናበለት ትመርሓካ፡ ምርሒታ ተኸቲልካ ምስ ትኸይድ ንሓዲኡ እዩ፡፡ወይ ናብ መዓረ ገዳም፡ጥርቐ መዓር ገደል ትወስደካ እሞ፡ከም ሰንካላይ ትኪ ኣትኪኽካ ነቲ መዓር በረኻ ንቤትካ ተብሎ፡፡ወይ እዉን ቅዳዉልካ ግናይ እንተኾይኑ መሪሓ ናብ ገበል ዘለዎ ገረብ ወይ ባዓቲ እያ ትድርግመካ፡፡ ካልእ እዉን ንወንጭፉ ሒዙ ኣብ ዋላ ወይ እራራ ደይቡ ሆጭ ዋሪ ዝብል ሓላዉ መሻሉን፡ዓፋፉንን እታ ቀንዲ ተሸግሮ፡ተወር ትብል ዑፍ የላን እናበለ እቲ ሓላው ግርሁ፡ጎብለ እያ ትጻወተሉ፡፡ጎብለ ዝብልዋ ዑፍ፡ንመሸላ ወይ ዕፉን ብእገራ ጸቒጣ ናብ ባይታ ኣዉሪዳ እያ ነታ ዕፉን ወይ መሸላ ሓመድ ጌራ ምስ በላዓታ ነፊራ ዕርብ ትብል፡፡ሓላዉ መሸላ ደጋጊሙ ወንጭፉ ጣዕ እናበለ፡ስም ጎብለ እናቖረሐ፡ሆጭ ጎብለ ክብል ምድሪ ዕርብ እያ ትብሎ፡፡ካልኦት የዕዋፍ ጉርሒ የብለንን፡ጎብለ ግን ተካል እዩ መጋብራ ዘበለ ብምባል ይጽዉዕዋ፡፡ ዑፍ ያሬድ ኣዝዩ ጥዑም ቃንኡ ዑፍ እዩ፡ንዝኾነ ሓዋዝ ድምጺ ዘለዎ፡ኣብ ሕብረተሰብና እንታይ ዳአሉ እቲ ድምጹ ክሕዉዝ ዑፍ ያሬድ ዝጥዕም ብምባል ይገልጽዎ፡፡ ሓደ ጉዳይ ክፍጸም እንከሎ፡እሞ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እንተዳፈሊጡ እሞ፡መዛረቢ ኮይኑ እንተቐንዩ፡ገለ ሰባት ኣይሰማዕናንን ዝብሉ እንተተረኺቦም፡እቲ ዝምልሰሎም ዋይ ብዛዕባ እዚ ዳአ ኣምባይ ሰብ ዑፍ-ጉራ እኳ ሰሚዑ እናተባህለ እዩ ዝዝረብ፡፡ዑፍ ጉራ እኳ ሰሚዑ ማለት ሲ ዘይሰመዐ የለን፡ኩሉ ሰሚዑ እዩ ንዝብል ኣበሃህላ እዮም ዝጥቀምሉ፡፡ ዑፍ ቀጾ ሸዉዓተ ትንፋሳ እናተባህለት እያ ትጽዋዕ፡፡ቀጾ ሞይታ እናተባህለት ሸዉዓተ ግዜ ትሰርር ዑፍ እያ፡፡ንዝኾነ ሰብ ሞይቱ እናበልካዮ ዝሰርር ወይ ዝድሕን እንተርእዮም፡ኣንታ እዚስ ሸዉዓተ እዩ ትንፋሱ ከም ዑፍ ቀጾ እናበሉ ብዑፍ ቀጾ ይምስልዎ፡፡ካልኦት የዕዋፍ በቢከባቢኡ ምስቲ ሕብረተሰብ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለወን እንተለዋ እስከ ገለ በሉ፡፡ ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ ዕለት፡05-04-2023 ኣስመራ @🐦
ፍሥሓ ዘ-ብሔረ ኣግዓዚ
Region: DE
Sunday 30 August 2026 14:09:06 GMT
Music
Download
Comments
Father of many nations :
Is 'Karkara' the real name of the bird? 🦅 I don’t know that kind of bird I thought it’s just a song
2026-08-30 14:41:16
1
የማነ 33-3-2,E🇪🇷.G🇩🇪 :
1 ሓደ ካብተን ዘፈትወን ደርፊታት 🥰🥰🥰👌
2026-09-05 17:40:43
1
To see more videos from user @shambelarefaine, please go to the Tikwm
homepage.