@kixforge1: 🔴🔵 NEW ENGLAND PATRIOTS CUSTOM KICKS 🏈🔥#NewEnglandPatriots #Patriots #GoPats #PatriotsNation #NFL #NFLFans #CustomSneakers #CustomKicks #foryou #treanding #KixForge #CustomShoes

KixForge Studio
KixForge Studio
Open In TikTok:
Region: US
Sunday 25 October 2026 15:00:00 GMT
454
27
3
1

Music

Download

Comments

usa.md.usa
Ms Aries :
2026-10-25 22:57:50
0
odalysdemesa
odalysdemesa :
QuĂŠ bonitos
2026-10-25 20:28:55
0
stephenfeligno
Steve🤷🏻‍♂️ :
Those look like some nice shoes….. for me to poop on!
2026-10-25 18:16:10
0
To see more videos from user @kixforge1, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ኣካልና ክጸንዕን ማእዛዊ መግቢ ክረክብን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ዘድልዮ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ኣተሓሳስባና ክበስል፡ መጻኢና ክጥዒ ድማ ብተመሳሳሊ ዕቤት ኣእምሮ የድልዮ። እዚ ክልቲኡ ክውን ክኸውን ግን ስሩዕ ልምምድን ውዱን ኣካይዳን ወሳኒ እዩ። ከምቲ ብዙሕ ግዜ እንሰምዖ
ኣካልና ክጸንዕን ማእዛዊ መግቢ ክረክብን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ዘድልዮ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ኣተሓሳስባና ክበስል፡ መጻኢና ክጥዒ ድማ ብተመሳሳሊ ዕቤት ኣእምሮ የድልዮ። እዚ ክልቲኡ ክውን ክኸውን ግን ስሩዕ ልምምድን ውዱን ኣካይዳን ወሳኒ እዩ። ከምቲ ብዙሕ ግዜ እንሰምዖ "ኣእምሮ ወዲ ሰብ ከም ጻዕዳ ወረቐት እዩ፡ ብዝመላእኻዮ መጠን እዩ ዝቕበል" ዝበሃል፤ ኣእምሮና ኰነ ኣካላትና ብዝሃብናዮም ጻዕሪ መጠን እዮም ቅርጺ ዝሕዙ። ሓደ ጽቡቕን ስሩዕን ቁመና ዘለዎ ሰብ፡ ብዕድል ጥራይ ከምኡ ኮይኑ ኣይተወልደን። ግዜ፡ ልምምድ፡ ጥዑይ መግቢ፡ ጥንቃቐ፡ ከምኡ እውን "ነብሰ-ምግታእ" (self-discipline) ሂቡ እዩ ነቲ እትቐናኣሉ ጽቡቕ ቁመና ሃኒጽዎ። ካብ ዝሰትዮ፡ ካብ ዝበልዖ፡ ካብ ዝዛረቦ፡ ካብ ዝገብሮ፡ ካብ ዝኸዶ ቦታታት ኰነ ካብ ዝቐርቦም ሰባት እናተጠንቀቐ፡ ብዓቐንን ብምዱብ ስርዓትን ስለ ዝነብር እዩ ከምኡ ዓይነት ቅርጺ ኣካላት ከጥርይ ዝኸኣለ። ልክዕ ከምኡ፡ ሓደ በተሓሳስባኡ፡ ብኣነባብራኡ፡ በከያይዳኡ ጽቡቕን፡ ስሩዕን፡ ትጉህን ዕዉትን ዝዀነ ሰብ እንተ ርኢኻ፤ እዚ ሰብ እዚ ንኣእምሮኡ ብግቡእ ዘለማመደ እዩ። ነቲ ዝወሃቦን ዘይወሃቦን ፈሊጡ፡ ነቲ ጻዕዳ ወረቐት ኣእምሮኡ ብድሙቕ፡ ስሩዕን ቅኑዕን ቃላት ዝጸሓፈሉ በሊሕ ሰብ እዩ። እስከ ሓደ ሕቶ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ "ጭሕግርግር ዝበለ፡ ጅማሬኡን መወዳእታኡን ዘይፍለጥ ጽሑፍ ብቐሊሉ ይንበበልካ ድዩ፧ ትርድኦስ ዶ፧" ኣይፋልን! ልክዕ ከምኡ ድማ፡ ብስሩዕ ቅዲ ዘይተሃንጸ ኣእምሮ፡ ጭሕግርግር ኢሉ ኣንፈታ ከም ዝጠፈኣ መርከብ ኣብ ባሕሪ ህይወት ከንሳፍፍ ይነብር። ስለዚ እዩ ድማ ስሩዕ ኣነባብራ፡ ስሩዕ ስልጠና፡ ንጹር ቅድን ክህልወና ዝግብኦ። ስሩዕ ቅድን ቀጻሊ ልምምድን ዝረኸበ ኣእምሮ፡ ስሩዕ ህይወት ኣብ ምምራሕን ዕዉት ስራሕ ኣብ ምስራሕን ዓንቃጺ የብሉን። እስከ ነዞም ዝስዕቡ 8 ቅልል ዝበሉ ኣእምሮኻ ናይ ምዕባይን ምስልጣንን ሜላታት ብሓባር ንርኣዮም፦ 📚 1. መዓልታዊ ኣንብብ ንባብ፡ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ኣብ ምዕባይን ምስፋሕን ካብ ዘለዎም ወሰንቲ ረቛሒታት እቲ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ እዩ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ንጡፋት ኣንበብቲ ክንከውን ይግበኣና። ክንደይ ገጻት ተንብብ ድሒሩ ዝመጽእ ሕቶ እዩ፤ ቀንዲ ነገር ምንባብ ልምዲ ምግባር እዩ። እንታይ ከም እተንብብ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ፡ እንተኾነ ግን ከተንብብ ምልዕዓልካ ንባዕሉ ዝበለጸ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ። ኣብ ምንባብ ሓበሬታ ምርካብ፡ ፍልጠት ምድንፋዕን ኣርሒቕካ ምጥማትን ስለ ዘሎ፡ ንባብ ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። 🔍 2. ዕለታዊ ውዕሎኻ ገምግም ንዝገበርካዮን ዝወዓልካዮን እትግምግም ሰብ እንተ ኴንካ፡ ዕቤትካ ንምርኣይን ጌጋታትካ ንምእራምን ኣይክትሽገርን ኢኻ። ምዕባለታቱን ድኽመታቱን ብንቕሓት ዝግምግም ሰብ፡ ንቕድሚት ካብ ምስጓም ዝዓግቶ ሓይሊ የለን። ስለዚ፡ መዓልታዊ ውዕሎኻ ብግቡእ ምግምጋም፡ ብሱል ኣእምሮ ኣብ ምውናን ዝበለጸ ስልቲ እዩ። 🔄 3. ብቐጻሊ ተለማመድ ቀጻሊ ልምምድ ዝገብር ህጻን፡ ድሕሪ ናይ 3-4 ፈተናታት ብእግሩ ክስጉም ከም ዝጅምር ንዕዘቦ ኢና። ቀጻሊ ልምምድ ኣእምሮኻ ኣድህቦኡ ሓልዩ ክኸይድ ስለ ዝገብሮ፡ ውጽኢታዊ ኣብ ምዃን ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ስለዚ ምልምማድካ ፈጺምካ ኣይተቋርጽ። 📌 4. ኣብ መደባትካ ጽናዕ ኣብ መደቡ ዘይጸንዕ ሰብ፡ ልክዕ ከምቲ ንፋስ ኔው ነጆው ዘብሎ ሻምብቆ እዩ። ካብ ከምኡ ዓይነት ሰብ ዝጽበ ውጽኢት ክህሉ ኣይክእልን። ኣእምሮኻ ስሩዕ ከይዲ ሒዙ፡ ዘተኣማምን ባክ-ኣፕ (ሓገዝ) ክህልዎ ዝኽእል፡ ኣብ መደባትካ ጽኑዕን ስጥመት ዘለዎ ኣካይዳን ክህልወካ ከሎ ጥራይ እዩ። ⚡ 5. ካብ ትህኪት ርሓቕ "ህኩይ ሰኣን ዘኾልሶ ጾሙ ይሓድር" ከምዝበሃል፤ ትህኪት ሓደ ካብቲ ደቂ ሰባት ብቐሊሉ ዝዓንውሉ መገዲ እዩ። ትህኪት እንተሎ ጾምካ ምሕዳር ኣሎ፤ ድላይካ ካብ ምርካብ ምትራፍ ኣሎ፤ ዓወት እውን የለን። ትህኪት ኣብ ዘለዎ ምብልሓትን ስራሕን ስለ ዘየለ፡ ኣእምሮኻ ብፍታውካ ናብ መዝሓሊ ፍርጅ የእቲኻዮ ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ ኣእምሮኻ ብግቡእ ንጡፍ (active) ኮይኑ ክሰርሕን ክውጥንን እንተ ኴይኑ፡ ካብ ትህኪት ምርሓቕ ናይ ግድን እዩ። ገሊኦም ንትህኪት ዝዕድሙን ክተርሕቆም ዘሎካን ነገራት፦ ምቹእ ቦታ (comfort zone) ምምራጽን ኩሉ ነገር ሰብ ክገብረልካ ምጽባይን እዮም። እዚኣቶም ንትህኪትካ ካብ ዘጋድዱ ኣውራታት ረቛሒታት ስለ ዝኾኑ፡ ካብቶም ኣሐንቂቖም ናብ ትህኪት ዘዳርጉኻ ምኽንያታት ምርሓቕ እቲ ዝበለጸ ቅድመ-ጥንቃቐ እዩ። 🧘‍♂️ 6. ኣስተንትን እትረፍ ሰብ እንስሳ እኳ ብመጒስዕ ምምላስ ደረጃ ምስቲ ቀትሪ ክበልዖ ዝወዓለ ሳዕሪ ደሃይ ይገብር እዩ። ንስኻ ድማ እቶም ዝሓለፍካዮም፡ ዝገበርካዮምን ዘሳለጥካዮምን ነገራት፦ ብከመይ ጌርካዮም፧ ስለምንታይከ፧ ኢልካ ብምሕሳብ ትውስታ ምግባር፤ ናይ ኣእምሮኻ መዝገብ ኣብ ምዕባይን ንጡፍ ኣብ ምዃንን ስለ ዝሕግዝ፡ ምስትንታን ዝበለጸ ናይ ኣእምሮ ምልምማድ ኣገባብ እዩ። 🚫 7. ትኹረትካ ዝሰርቕ ነገራት ኣወግድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክትመሃር ከለኻ ቀዳማይ ክፍሊ ኢልካ ኢኻ ትጅምር፡ ቀጺልካ ድማ ካልኣይ ትብል። ቀዳማይ ክፍሊ ረጊጽካ ከይወዳእካ ካልኣይ እንተ ጀሚርካ ክልተ ነገራት ተጥፍእ ኣለኻ፦ ንሳቶም ድማ "መሰረትን ስርዓትን" እዮም። መሰረትን ስርዓትን ገዲፍካ ዘሊልካ ናብ ዝለዓለ ደረጃ እንተ ኸይድካ፡ ክገጥመካ ዝኽእል ብድሆ ንጹር እዩ። ልክዕ ከምኡ፡ ኣእምሮና ነቶም መሰረቶም ሓልዮም ዝኸዱ ስሩዓት ልምድታትና ከደምዝዝ ብዝኽእል ካልእ ነገር ክተሓዝ እንተ ጌርናዮ፤ ካብቲ ስሩዕን ቅኑዕን መንገዲ ኣውጺእና ኣብ ሕንፍሽፍሽ ነስፍሮ ኣለና ማለት እዩ። ስለዚ ካብቶም ቅኑዕ ትኹረትና ክሰርቁ ዝደልዩ ነገራት ምርሓቕ ሓላፍነትና ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ኣእምሮኻ ልክዕ ከም "ዳታ" (data) ምዃኑ ኣይትረስዕ። ዳታ ብዝተጻሕፈሉ፡ ብዝተዋህቦን በቲ ዝመልኦን ጥራይ እዩ ውጽኢት ዝህበካ። ኣይ-ኤይ (Artificial Intelligence / ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ) እኳ በቲ ዝመልኦ ወይ ዝገበሮ ልምምድ እዩ ዝምልሰልካ ወይ ምስኻ ዝረዳዳእ። ኣእምሮኻ እውን በቲ ዘለማመድካዮን ዝመላእካዮን ጥራይ ከም ዝረዳዳእ ኣይትረስዕ! ✍️ 8. ሓሳባትካ ጽሓፍ ሓሳባትካ ብቐጻሊ ትጽሕፍ እንተኾንካ፡ ኣእምሮኻ ግብራውን ክልሰ-ሓሳባውን (practical and theoretical) እኹል ልምምድ ትገብረሉ ኣለኻ ማለት እዩ። ሓሳባትካ ምጽሓፍ ደጊምካ ምስ ጽሑፋትካ ክትዛረብን ክትዛተን ዝገብር ብምዃኑ፡ ኣእምሮኻ ብግቡእ ኣብ ምዕባይ ካብ ዝሕግዙ ኣውራ መገድታት ሓደ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ፡ እዚኣቶም ክጠቕሙኻ ዝኽእሉ ወሰንቲ ሜላታት ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ምዕቃቦምን ምትግባሮምን ኣይትሕመቕ! 💭 ካብዚኣቶም ንዓኻ ዝኸበደካ ወይ ክትጅምሮ ዝደለኻ ኣየናይ እዩ፧ ኣብ ኮመንት ኣካፍለና። -ዘፍጥረት

About