@sow.from.spain: ##💔💔 Ali

𝐒𝐀𝐌𝐁𝐀 👑
𝐒𝐀𝐌𝐁𝐀 👑
Open In TikTok:
Region: ES
Wednesday 25 November 2026 18:04:18 GMT
77
5
1
0

Music

Download

Comments

starbayo5
Star bayo :
🥰🥰🥰
2026-11-25 19:15:55
1
To see more videos from user @sow.from.spain, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ነታ ሓንቲ ድምጺ... (ብሰረት) ኣብ ዙርያኻ ብዙሕ ድምጽታት ክህሉ ይኽእል እዩ፤ ገሊኡ ድምጺ እግሪ-እግርኻ ዝስዕብ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ኣእዛንካ ነታ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ክሰምዓ፡ ኣብታ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ከድህባ ግበረን! ኣብቲ ብዙሕ ጫውጫው ከበሮ እዝኒ ክቐድድ ዝደሊ ድምጽታት ዘለዎ፥ ናብ ዕላማኻ ብምድሃብ ጥራይ ንቕድሚት እንተ ዘይኣስተብሂልካ፡ እቲ ድምጺ ንድሕሪት መሊሱ እሱር ናይቲ ጫውጫው ክገብረካ ይኽእል እዩ።
ነታ ሓንቲ ድምጺ... (ብሰረት) ኣብ ዙርያኻ ብዙሕ ድምጽታት ክህሉ ይኽእል እዩ፤ ገሊኡ ድምጺ እግሪ-እግርኻ ዝስዕብ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ኣእዛንካ ነታ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ክሰምዓ፡ ኣብታ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ከድህባ ግበረን! ኣብቲ ብዙሕ ጫውጫው ከበሮ እዝኒ ክቐድድ ዝደሊ ድምጽታት ዘለዎ፥ ናብ ዕላማኻ ብምድሃብ ጥራይ ንቕድሚት እንተ ዘይኣስተብሂልካ፡ እቲ ድምጺ ንድሕሪት መሊሱ እሱር ናይቲ ጫውጫው ክገብረካ ይኽእል እዩ። "ከልቢ ይነብሕ እቲ ገመል ግን ጕዕዞኡ ይቕጽል" ከም ዝበሃል፥ ኣቓልቦኻ በቲ ጫውጫውታ ተሳሒቡ ኣድህቦኻ ክስረቕ ዘይኰነስ፥ ነታ ኣብ ውሽጥኻ ዘላ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ብምስማዕ ንስኻ እውን ልክዕ ከምቲ ገመል ጕዕዞኻ ቀጽል! ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ታዕታዕን ገልጠምጠምን ዕድል ስለ እንህቦ ኢና ናይ ፍርሒ እሱራት እንኸውን። ጸጥታ ዝበሃል የለን—ድምጺ ካልኦት ዘይብሉ ኣከባቢ እውን የለን፤ ንስኻ ኢኻ ነቲ ድምጺ ንዘይምስማዕ ክትመርጽ ዘለካ! ልክዕ ከምቲ "ክገብር እየ" እንተ ኢልካ ክትገብር እትኽእል፡ እዚ እውን "ንድምጸይ ጥራይ እየ ክሰምዕ ዝደሊ" ኢልካ እንተ ወሲንካ በታ ሓንቲ ድምጺ ዘይትኸደሉ ምኽንያት የለን። ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ንድሕሪት ዝጐቶም ስለ ዘይብሎም ኣይኰኑን ንቕድሚት ዝስጕሙ፤ ንድምጺ ካልኦት ስለ ዝሰዓሩን ንድምጺ ውሽጦም ጥራይ ስለ ዝተኣዘዙን እዮም ጕዕዞኦም ከቋርጹ ዘይከኣሉ። ኵሉ ንድሕሪት ክጐቶ ዝደሊ ድምጺ ኣለዎ—ግን ስለ ዝሰዓሮ እዩ ንድሕሪት ዘይተጐትተ! ምኽንያቱ ኣድህቦኡ ንቕድሚት ናብቲ ናቱ ድምጺ ጥራይ ስለ ዝገበረ። ስለዚ ንስኻ እውን ነታ ሓንቲ ድምጺ ሒዝካ ንቕድሚት ኣድህብ—ቀባሕባሕ ኣይትበል! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ዕላማ #ንቕሓት #ኮፒሊንክ

About